ዕለት 01 06 2023
ማሕበር መገድብርሃን ግብረ ሰናይ ኖሽክ ትርጉም
Path of Light Charity Association
ማሕበር መገዲ ብርሃን ግብረሰናይ
ንኹሎም ኤርትራውያን ተቐማጦ ኖርወይ
ዝኸበርኩም ኣብ ሃገረ ኖርወይ ትነብሩ ስድራና ኩልኹም ኣብ ህይወትኩም ምሉእ ጥዕናን ኣብስራሕኩም ድማ
ዓውትን ኣሳልጦን ንምነ።
ድሕሪ ሰላምታና ከነበሽረኩምን ከነዘኻኽረኩምን ዘበገሰና ድማ ነዚ ብዓበይቲ ስድራና ተጸኒዑ ብጡረታ ዝወጹ ኣቦታትን
ኣዴታትን ተደጊፉ ዝተጀመረ ማሕበር መገዲ ብርሃን ግብረሰናይ ዝብል፡ ብሕጊ ኖርወይ ተፈቒዱ ኣብ ኦስሎ ከተማ ቆይሙ
ምህላዉ ንስድራና ከነብስር ከለና ዝስምዓና ሓጎስ ወሰን የብሉን።
ናይዚ ማሕበር እዚ ቀንዲ ተበግስኡን ዓላምኡን ድማ ኣብሃገረ ኖርወይ ኣብስደት ዝርከቡ ህዝብና ተቐራሪብናን ጥምረት
ፈጢርናን ካብኡ ከኣ ኣብዘን ትሕት ኢለን 3 ኣርእስቲ ተጠቒሰን ዘለዋ ናይ ሰናይ ምግባር ተበግሶ ምድላዋትን ምስታፍን ዘተኮረ
እዩ።
1/ ብመጀመርያ እቶም ዓበይቲ ዝኾና ስድራ፡ ባህልናን ልምድናን ፍቅሪ ሃገርናን ኣስተማቒርና ዝመጻእና ምኳና
ከይተዘንግአ፡ ሓድነትናን ሕብረትናን ዓቂብና ብሓባር ተቐራሪብናን ተጠራኒፍናን ተሓጋግጅናን ንባዕልና ጠጠው ምስበልናን
ምስተጠራነፍናን ድማ ንኻልኦት ስድራና ክንጥርንፍን ክንእክብን ከምዘለናን ከምዝግባኣናን ናይኩላትና ግደን ሓላፊነት ከምዝኾነ
ኣቐዲምና ክንርድኦን ክንፈልጦን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
2 ብኻልኣይ ደርጃ እቲ ዝለዓለን ኣገዳስን ቀንዲ ረቛሕን ዝኾነ ድማ፡ ነዞም ካብ ሕብረተሰቦምን ባሕሎምን ልምዶምን
ርሒቖም ዝርከቡ ናይ ባዕዳውያን ርኹስ መንፈስ ባህልን ልምድን ኣብልዕሊኦም ዘንጸላልወሎም ዘለዉን ዝርከቡን ጨቕላ ዝኾኑ
ተካእቲ ወሎዶ ደቅና ንድሕነቶም ክንብል ንስመር፡ ንሕና ምስሓበርና ድማ ኣሰርና ተኸቲሎም ክኸዱ ክኽእሉ ብሓባር ኮይና
ክንመርሖምን ባህሎምን ልምዶምን ከነፍልጦምን ኩላትና ክንረባረበሉ ሓደራ ብምባል ንላቦ።
3 ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ረዳኢ ዘይብሎምን ናይ ዕለት ጉርሲ እኳ ንምርካብ ዘይክእሉ ህጻናትን ኣረጋውያንን ኤርትራውያን
ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምርዳእ ዝተበገሰ ማሕበር ስለዝኾነ፡ ነዚ ናይ ቅዱስ መንፈስ ሓዘል ዝኾነ
ሓሳብ ዘይድግፍን ዘይሕግዝን ሓደ ኤርትራዊ እኳ ከምዘይህሉ እምነትና ልዑል እዩ።
ኣብ ግብረሃዋርያት ሞዕራፍ 20 ቁጽሪ 35 ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ካብቶም ዝቕበሉ እቶም ዝህቡ
ይባረኹ ከምዝበሎ ኩሉ በረኽት ንካፈል።
በብዓቕምናን ክእለትናን ንምርዳእን ምውፋይን ንቀዳደም ኣብ ዓምት ንሓደ እዋን ጥራይ ድኸውን መመዝገቢ ኢድና ንዘርግሕ
ሽዑ ምስከፈልና ከኣ ኣብዚ ልዑልን ብሩህን ተስፋ ዘለዎ ማህበር ብኣባልነት ንመዝገብ ጊዜ ኮለካ ጊዜ ኣይትጸበ ከምዝበሃል ኩሉ
ሃየ ኣይንዘንግዕ ንትባዕ።
ኣቐዲሙ ንዝግበረልና ሓገዝ ነመስግን
ቁጽሪ ሒሳብ bank D N B 15069086702
Vipps 814886
መወከሲ ቁጽሪ ተሌፎን 45082578
ማሕበር መገዲ ብርሃን ግብርሰናይ
ክትሕግዙና ትኽእሉ ዶ