በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን
ኩሉ ዘይሰኣነካ ዝለመኑኻ ዘይትኸልእ ዝነገሩኻ ዘይትርስዕ ፈጣሪና እግዚኣብሄ ሆይ፡ ነዚ ንሓስቦን ንጅምሮን ዘለና ስራሕና ድማ ዘስተውዕል ሰፊሕ ልቦና ሂብካ፡ ነንሕድሕድና ኣሰማሚዕካን ኣዋሃሂድካን ኣረዳዲእካን ብቕኑዕ መንፈስ ክንስጉምን ዓወት ክንጎናጸፍን ክንክእል ባዕልኻ መሪሕካ እለዮን ኣስምሮን።
ዝኸበርኩም ኣብ ሃገረ ኖርወይ ትርከቡ ኤርትራውያን ስድራና ኩልኹም ሰላምን ጥዕናን ራህዋን ቅሳነትን ፍቕርን ክህበኩምን ከምኡእውን ኣብ ኩሉ ስራሕኩም ድማ ዓወትን ኣሳልጦን ንምነ።
ዝኸበርኩም ኣብ ሃገረ ኖርወይ ትርከቡ ኤርትራውያን ስድራና ኩልኹም ሰላምን ጥዕናን ራህዋን ቅሳነትን ፍቕርን ክህበኩምን ከምኡእውን ኣብ ኩሉ ስራሕኩም ድማ ዓወትን ኣሳልጦን ንምነ።
ድሕሪ ሰላምታና ቀጺልና ከኣ፡ እቶም ሰናይ ዝሓስቡ ሰናይ ክረኽቡ እዮም ከምዝበሎ ኩሉ፡ንህዝብና ናብ ሰናይ መገዲ ምሕሳብን፣ ምምራሕን፣ ከኣ ጻማ ከምዘውህብ ብምርዳእ፡ ኣብኖርወይ ንዝርከቡ ስድራና ድማ፡ ሓሳብናን ትምኒትናን ስጋብ መወዳእታ እግዚኣብሄር ከፈጽመና እንዳተተምኔና፡ ከምዝስዕብ ድማ ብኣኽብሮት ክንሕብርን ክንንዕድምን ኮለና ድስመዓና ሓጎስ ወሰን የብሉን።
እምበዓረይ እዚ በኣረጋውያን ኣቦታትን ኣዴታትን ንነዊሕ እዋን ተሓሲቡን ተጸኒኡን ናይ ገንዘብ ድጋፍ ተጌሩሉን ንጥርናፈ ህዝቢ ተባሂሉ ዝቖመ ማሕበር እምበር፡ ብፍላይ ናይ ዓበይቲ ማሕበር ጥራይ ማለት ከምዘይኮነን ተረዲእና ንኹሉ ኤርትራዊ ወድ ሃገር ዘሳትፍ ከምዝኾነ ምፍላጡን ምርድኡን ኣገዳሲ እዩ።
ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናይ ጊዜ ዘይምርካብ ይኹን ወይ ኢኮነሚ ዓቕምእውን ዘኣምሰሉ ሕጽረት ከጋጥሙ ዝኽእሉ ምዃኖም ኣብግምት ብምእታው ከኣ ኣባላት ኣብ ክልተ ይስርዑ 1/ቀወምቲ ኣባላትን ጊዚያዊ ኣባላትን ተባሂሎም ይፍለጡ።
ንኹሉ ብግቡእ ተረዲእኹምን በኣወንታዊ ጠሚትኩምን ብሓሳብ ኮነ ብኻልእ ብዝከኣለኩም ኩሉ ኣብዚ ናይ መገዲ ብርሃን ግብረሰናይ ተበግሶ ጥርናፈ ማሕበር ኣረጋውያን ፡ጥምረትን፣ ሓድነትን፣ጥንኩር ሕብረተሰብ ኤርትራውያን ፈጢርካን ባህልኻን ልምድኻ ን ዓቂብካን፣ተሓጋጊዝካን፣ ድማ ንጽጉማት ኣሕዋትካ ንምርዳእ ዝብል ተበግሶ ማሕበር ዝቖመ ከምዝኾነ ተረዲእኹም ኣብ ጎንና ጠጠው ክትብሉ ብኣኽብሮት ነዘኻኽር።
ሀ/ ንሕና ካብ ሃገርና ሪሒቕና ኣብስደት ንርከብ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ እቶም ዓበይቲ ዝኾና ካብ ዓድና ክንወጽእ ከለና ፡ ባህልናን ልምድናን፣ ፍቕሪ ቤተሰብናን፣ ጣዕሚ ሃገርናን፣ሕብረት ህዝብናን ተሪዲእናን ፈሊጥናን ኣስተማቒርናን ዝወጻእናን ከንስና፡ ክንዲ ሓወይ ሓብተይ ኢልና ንቀራረብን ነቲ ሕብረተሰብና ነቀራርብን ነቲ ተተካኢ ወለዶ ከኣ ኣርኣያ ኮይናን ክንድ ነተሓቛቑፍንሲ በኣንጻሩ ነዓናም ዘቀራርበናን ዘመያይጠናን ዘድልየና ዘሎ መሲሉ ይርአ ስለዘሎ ብቀዳምነት ነቲ ዘየቀራርበና ዘሎ ርኹስ መንፈስ፡ ከነወግዶን ክንሓሰበሉን ክንመኽረሉን ካባና ከነርሕቖን ይግባእ።
ንሕና ንባዕልና ብማዕዶ እንዳተራኣኤናን እንዳተተፋነናን ከመዓልካ ሓደርካ ሓወይ ሓብተይ ምባል ተሪፉ ክሳድና ኣድኒና ተረጋጊጽና ምትሕልላፍን ምርሕሓቕን እንታይ ኣምጾ፧ ዘይ ናየቦታትና እዝኸ ካበይን በየንን ካብምንታይን ዝመጸ ይኸውን፧ ካብዘይ ምፍላጥ፣ካብ ኣንነት፣ ካብ ዱሑር ኣተሓሳስባ፣ ካብ ልማድ፣ካብ ቅርሕንቲ፣ወይስ ካብ ምንታይ ደኣሞ ክንብሎ ኢና፡ዝኾነ ኾይኑ መልሲ ካብዘይሃለዎ እሞ ኸኣ ጉድኣት እምበር ጥቕሚ ዘየምጽእ ምዃኑ ካብ ፈለጥና ካባና ነርሕቖ።
ለ/ በሉ ሕጅስ የኣክለና ኢልና ነቲ ዘየቀራርበና ዘሎ ርኹስ መንፈስ ካባና ኣወጊድና ከምቲ ኣበው ዝበልዎ፡ኣብ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይውሰዶ፣ ኣብሩባ ዘሎ ከኣ ውሕጅ ይውሰዶ፣ኢልና ሕብረተሰብና ንጠርንፍ ንቀራረብ፣ ንመያየጥ፣ ንተሓቛቐፍ ፣ግልጽነት የሃልወና፣ ካብ ምጉርራሕ፣ ምግርራህ፣ ዘሓሸ ብምዃኑ ከምዘዕውተናን ድማ እምነትና ልዑል እዩ።
እዚ ከኣ እንዳ ወዓለን እንዳ ሓደረን ከሕጉሰናን ከተባብዓናን ከምዝኽእልን ውጽኢታዊ ምዃኑእውን ኣይንጠራጠር።
ግን ክንዕወት ኢና ኢልና ዓጢቕና ተላኢልና ከይፈተናን ከይተቓለስናን ግን፡ ብሓሳብን ብትምኒትን ጥራይ ዝመጽእ ዓወት ግን ከምዘየለ ንኩላትና ብሩህ ክኸውን ኣለዎ።
ኩልና ከምንፈልጦ ሓሳብናን ትምኒትናን 99/100 ክኸውን ከሎ ኣብግብሪ ነውዕሎ ከኣ ከምትምኒትናን ከምሓሳብናን ዘይኮነስ 30/100 ጥራይ እንተ ኮይኑ ግን ፡ ዓወትና ሕልሚ ኮይኑ እዩ ክተርፍ።
እሞ ሃየ ብሕውነታዊ ልቦና ተለዋዊህናን ተጠራኒፍናን ብጥሙር ሓይሊ ሓሳብናን ትምኒትናን ንምዕዋት ሓቦ ኢልና ኩልና ንተንስእ ንተዓጠቕ ዓወት ስጋብ ንጎናጸፍ፡ከምንፈልጦ ከኣ ኹልና ደቂ 9 ወርሂ ሓደ ካብ ሓደ ዘይንበላለጽ ኣሕዋት ማዕረ ጌሩ ከምዝፈጠረና ድማ ኣተኩሮን ኣቓልቦ ምግባሩ ብልህነት እዩ።
ሐ/ ብህይወት ከለና ዓለም ንስረሓሉ ደኣምበር ኣይስረሓልና፣ ብዘይ ምጥርናፍናን ምቅርራብና ምኽንያት ድማ፡ ናይ ክንደይ ምሁራትን ለባማትን፣ ውርዙያትን፣ ፈላጣትን፡ ኣቦታትን፣ ኣዴታትን፣ ኣሕዋትን፣ ኣሓትን፣ ፍልጠቶምን ጸወትኦምን ምኽሮምን ብዘይ ምውራስና፡ መኺኑ ከምዝተርፍ ዘሎ ኩላትና ክንፈልጦን ክንርድኦን ከነስተውዕለሉን ክንክእል ፈጣሪ ባዕሉ ኢዱ የምብረልና።
በሉ እዚ ናይ ሰናይ ተበግሶ ማሕበር እዚ ከኣ፡ ኣብዚ ርህሩህን፡ ብሩኽን፡ ፈታው ህዝቡን፡ ሓላይ ስድርኡን፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ህዝብና፡ ሙሉእ እምነት ብምግባርን ምትእምማንን ዝተበገሰ ናይ ሓባር ማሕበር ከምዝኾነን፡ ብዝለዓለ ድማ ከምቲ ኣብላዕልን ኣብታሕትን ዝጠቐስናዮ ባህልናን ልምድናን መንነትናን ንዕቅበሉን ነደልድለሉን መገዲ ንምፍጣር ዘዓለመ ምዃኑ ኩላትና ከምንርድኦ ሰብ ሙሉእ ተስፋ ኢና።
መ/ እምበኣር ንሕና ኣብ ሃገረ ኖርወይ ንርከብ ኣረጋውያን ኤርትራውያን ስድራኹም፡ብምጀመርያ ሓድነትካ ኣደልዲልካን ርእስኻ ረዲእኻን፡ ድሕሪኡ ከኣ ንካልኦት ጽጉማት ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ረዳኢ ዘይብሎም ህጻናትን ኣረጋውያንን ኣሕዋትናን ኣሃትናን ንምርዳእ ናይ ምትሕግጋዝን ዘዓለመ ግብረሰናይ ማሕበር ከምዝኾነ ምፍላጥን ምርዳእን ኣገዳሲ እዩ።
ግብረሰናይ ክንብል ከለና፡ልግሲ፣ረዲኤት፣ለውሃት፣ ርህራሄ ፣ምጽዋት፣ኩሉ ሰናይ ተግባር ዘጠቓለለ ክኸውን ከሎ፡ ከምኡ ድማ ትሕትናን፣ ምክብባርን፣ምትሕልላይን፣ ምድግጋፍን፣ ምጽንናዕን፣ህድኣትን ዘኣመሰሉ ናይ ስነ ምግባር ኣተሓሳስባእውን ዝሓቖፈ እዩ።
እዚ ዝተመስረተ ማሕበር ኣረጋውያን ኣቦታት ከኣ ፡እቲ ቀንዲ ዓላሙኡን ትምኒቱን ብመጀመርያ ዕቃበ ህልውናና ንጥርናፌናን ካብኡ ድማ ፍቕሪ ሕብረሰብካን ባህልኻን ልምድኻን ሓድነትካን ተጠናኽረሉን ትዕቅበሉን ሃዋህው ፈጢርካ፡ ነዞም ንጹሃን ዕሸል ድኮኑ ደቕና ድማ ካብዚ ንሪኦ ዘለና ናይ ዓልምና ህቦብላ ዝኾነ ናይ ጥፍኣት መገዲ ልምዲ ከይወርሱ ኣሊና ነቲ ናየቦታቶም ቅዱስ መገዲ ንምውራስ ዝኽእልሉ መገዲ ሓቢርና ነዳልወሎም ዝብል ዘዓለመ ኮይኑ፡ ከምእውን ካብቶም ክውረሱ ትጽቢት ዝግበረሎም ድማ ፡ እዞም ልዕሊ እዚ መስመር እዚ ተጠቒሶም ዝርከቡ ሰናይ ተግባራት ኩሎም ብምድራውን ሰማያውን ህይወትና ኣብ ኩሉ ዋሕስና ብምዃኖምን ካብ ኣበው ዝተወርሱ ስለዝኾኑን ናብ ቀጻሊ ወለዶእውን ንምትሕልላፍ ዘኽእልን ዘተባብዕን ከምዝኾነ።
ብፈቓድ ኣምላኽ ናይዚ ማሕበር እዚ መስረትን ግዝያዊ ስራሕ ኣካየድትን ከኣ፡ ኣቶ ያቆብ ኣፍለይ ዘርኦም ኣቦ ወንበር ኣቶ ዳንኤል ክብሮም፡ ዋና ጸሕፊ ኣቶ ሃብተገርጊሽ፡ዓንዱ ተሓዝ ገንዘብ ( እስቲረ መድለመር ) ከምዝኾኑን ብምሕባር፣ ሓደ ተቆጻጻሪም ከምዝምረጽን ከምዝህሉን ኮይኑ፡ ዝኾነ ኣታውን ወጻእን ገንዘብ ናይዚ ማሕበር በዞም ኣርባዕተ ሓለፍቲ ምቁጽጻር ይንቀሳቐስ።